ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ትካል ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህሊን ሕቡራት መንግስታት (ዩኔስኮ) ዓለም ለኸ ሓድጊታት ኢትዮጵያ ሓሊኻ ንምፅናሕ ዝገብሮ ሓገዝ ከምዘጠናኽር ኣፍሊጡ፡፡
ተወካሊ ዩኔስኮ ኣብ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካን ኢትዮጵያ ሪታ ቢሶናውት (ዶ/ር)÷ ኢትዮጵያ ብዙሓት ሓድገታት ኣብ ዓለም ለኸ ሓድጊታት ከምዘመዝገበት ሓቢሮም፡፡
ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ ዓመታት ተወሳኺ ሓድጊታት ንምምዝጋብ እናተሰርሐ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።
ሓድጊታት ኣብ ዩኔስኮ ምምዝጋቦም እቶም ሓድጊታት ንምክንኻንን ንምሕላውን ከምኡ እውን ቁፅሪ በፃሕቲ ብምውሳኽ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ተረባሒ ቱሪዝም ንኽኸውን ዘኽእል ኢዩ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
ዩኔስኮ ኣብ ሓዲጊ ዓለም ዝተመዝገቡ ሃፍቲታት ንማሕበረሰብ ዓለም ናይ ምፍላጥ ስራሕ ከምዝሰርሕ ብምሕባር÷ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ዲፕሎማሰኛታት ኣብታ ሃገር ዘለዉ ሓድጊታት ንኽጉብንዩ እናተሰርሐ ምዃኑ ኣመልኪቶም።