ዩክሬን ናብ ድርድር ሰላም ንምምፃእ ድልውቲ ምዃና ምርግጋፆም ፕሬዚዳንት ትራምፕ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ስምምዕነት ሰላም ሩሲያ ዩክሬን ኣብ ሸቶኡ ንምብፃሕ ናብ ድርድር ጠረጴዛ ንምምፃእ ዩክሬን ድልውቲ ምዃና ዝገልፅ ደብዳበ ካብ ፕሬዚዳንት ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ከምዝበፅሖም ገሊፆም።

ፕሬዚዳንት ትራምፕ ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝተኻየደ ሓበራዊ ኣኼባ ኮንግረስ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፤ ፕሬዚዳንት ዘለንስኪ እዚ ደብዳበ ምልኣኹ ይንእድ ኢሎም።

ፕሬዚዳንት ዘለንስኪ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ዋይት ሃውስ ብምምራሕ ምስ ትራምፕን ምክትሎምን ዝገበሩዎ ዘተ ዕዉት ከምዘይነበረ ይዝከር፡፡

ነዚ ስዒቡ ኣብ ሃገሮም ዘላቂ ሰላም ንምምፃእ ምስ ምምሕዳር ፕሬዚዳንት ዶናልድ ትራምፕ ንምስራሕ ድሉው ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡

ፕሬዚዳንት ትራምፕ ዩክሬን ብዝተኽኣለ ቅልጣፈ ናብ ድርድር ንምምፃእ ከምዝተሰናደአትን ልዕሊ ዩክሬናውያን ሰላም ዝደሊ ከምዘየለ ኣብቲ ደብዳበ ከምዝተገለፀ እውን ሓቢሮም።

ካብዚ ብተወሳኺ “ፕሬዚዳንት ዘለንስኪ ስምምዕነት መዓድን ንምፍራም ድሉው ምዃኑ ነጊሩኒ ኢዩ” ምባሎም ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ብሄለን ታደሰ

Comments (0)
Add Comment