ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ድሌታትና ብሓይሊ መማረፂ ንምፍፃም እንኸደሉ ርሕቐት ይኣክል ክንብሎ ይግባእ ክብሉ ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ገሊፆም፡፡
ሓለፍቲ ስራሕ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራን ውድባት ዲሞክራስያዊ ሕብረት ኢትዮጵያን ምስ ፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት፡ ዝመፃእናሉ ስርዓት ፖለቲካዊ ብምግዳፍ ንምትዕራቕ ምዝታይን ምዝርራብ ይግባእ ኢሎም፡፡
ኣቦ-መንበር ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ኣምሓራን ኣካቢ ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲ ፖለቲካ እቲ ክልል ተስፋሁን ኣለምነህ ሃገርና ደም ምፍሳስ እትረኽቦ ረብሓ ከምዘይብላን ኣፈላላይ ብዘተ ንምትዕራቕ ከምዝግባእ ገሊፆም፡፡
ብመሳፍንት እያዩ