ዶብ ሃገር ንምሕላው ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ዘብዒ ጠጠው ክንብል ኢና – ሌተናል ጄነራል ዘውዱ በላይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሰላም ህዝቢን ዶብ ሃገርን ንምሕላው ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ዘብዒ ክንከውን ኢና ክብሉ ኣዛዚ እዚ ማእኸላዊ ዳሎል ሰራዊት ምክልኽል ፌዴሪኢ ሌተናል ጄነራል ዘውዱ በላይ ኣፍሊጦም፡፡

እዚ ማእኸላዊ ዳሎል መበል 129 በዓል ዓወት ዓድዋ “ዓድዋ ዓወት ፀለምቲ ህዝቢታት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ምስ ዝተፈላላዩ ክፋላት ማሕበረሰብ ኣብ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ኣኽቢሩ።

ሌተናል ጄነራል ዘውዱ በላይ ኣብቲ እዋን÷ ዓድዋ ብምዝካር ንኢትዮጵያ ብምፅናዕ ንወለዶ ክነሳግር ኢና ኢሎም።

ኣብ ኲናት ዓድዋ ወራሪ ጦር ጣሊያን ስዕረት ተሓንጊጡ ዝተመለሰሉ ከምዝኾነ ብምዝኽኻር፤ እቲ ዓወት ተምሳሌት ሰዓራይነት ኢትዮጵያውያን ከምዝኾነ ገሊፆም።

ብተስፋሁን ከበደ

Comments (0)
Add Comment