ዶናልድ ትራምፕን ዘለንስኪን ተዛትዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ምስ መዘነኦም ዩክሬን ቮለድሚር ዘለንስኪ ሎሚ ኣብ ጣሊያን ሮም ተራኺቦም ተዛትዮም።

ክልቲኦም መራሕቲ ሎሚ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን ሮማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ተዓዲሞም።

ድሕሪ እቲ ስነ-ስርዓት ውፅኢታዊ ዘተ ምክያዶምን ድሕሪ ሰዓታት ዘትኦም ከምዝቕፅሉ ሰብ መዚ እተን ሃገራት ብ ምሕባር ሮይተርስ ፀብፂቡ፡፡

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ፃዕዳ ቤተ መንግስቲ ተራኺቦም ብዘይምርድዳእ ድህሪ ምፍልላዮም ሎሚ ብኣካል እንትራኸቡ ንፈለማ እዋን እዩ፡፡

Comments (0)
Add Comment