ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ምስ ተተካኢ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታተን ፍሉይ ልኡኽ ዲጂታልን ኢመርጂንግን ቴክኖሎጂን ኣማንዲፕ ሲንግ ጊል (ዶ/ር) ዘቲዮም።
ኣብቲ ዘተ፥ ኣማንዲፕ ሲንግ ጊል (ዶ/ር) ሕቡራት መንግስታት ኣብ ዲጂታይዜሽንን ኣርተፊሻል ኢንተለጀንስን ዘጣየሾ ሓዱሽ ኢንሸቲቭ ኢትዮጵያ ሓደ ኣካል ኮይና ብንቕሓት ነክትሳተፍ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
እቲ ሓዱሽ ናይ ዲጂታልን ኢመርጂንግን ቴክኖሎጂን ኢኒሼቲቭ ኣብ ክሊ ኣርቴፊሻል ኢንተለጀንስ ስሩዕ ዝኾነ ምምሕዳር ንምውፃእን ስራሕቲ ህንፀት ዓቕሚ ንምስራሕን ዝተጣየሸ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።
ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር)፥ ቀዳማይ ሚኒሰትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣድላይነት ዲጂታላይዜሽን ንምዕባለ ሃገር ክፃወት ዝኽእሎ ቁልፊ ግደ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ክሊ ቴክኖሎጂ ዝሰርሑ ናይ ኢትዮጵያ ኣርቴፊሻል ኢንስቲትዩትን ካልኦት ትካላትን ኣቐዲሞም ንክጣየሹ ከምዝገበሩ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ኣካል እቲ ሓዱሽ ኢኒሼቲቭ ምዃና ቁልፊ ተግባር ከምዝኾነን ብንቕሓት ከምእትሳተፍን ምርግጋፆም ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።