ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ጥንኹር ትካል ንምህናፅ ተሳትፎን ፍትሓዊ ተረባሕነትን ደቂ ኣንስትዮ ምርግጋፅ ከምዝግባእ ምክትል ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ላዕለወይቲ ሓላዊት ኮከስ ደቂ ኣንስትዮን ወ/ሮ ሎሚ በዶ ገሊፀን፡፡
ኣካላት ፈፀምቲ ስራሕ ኮከስ ተመረፅቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ኣፈፃፅማ ገምጊሞም።
ወ/ሮ ሎሚ ኣብቲ እዋን÷ ብብርኪ ሃገር ዝስርሑ ዘለው ስራሕቲ ንኩለን ደቂ ኣንስትዮ ተሳታፍነትን ተረባሕነትን ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ከምዘለዎ ኣገንዚበን፡፡
ንኣብነት ከይዲ መድረኽ ዘተ÷ኣብ ቀፃሊ ዝካየድ ሃገራዊ መረፃን ካልኦት እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ፍትሓዊ ውክልና ክህልወን ምግባር ይግባእ ኢለን፡፡
ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ካብ ብሕዚኡ ንምብቃዕ ኣበርቲዐን ከምዝሰርሓ ኣብቲ ምኽሪ ቤት ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡