ጥንኹር ትካል ንምህናፅ ፍትሓዊ ተረባሕነት ደቂ ኣንስትዮ ምርግጋፅ ይግባእ – ወ/ሮ ሎሚ በዶ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ጥንኹር ትካል ንምህናፅ ተሳትፎን ፍትሓዊ ተረባሕነትን ደቂ ኣንስትዮ ምርግጋፅ ከምዝግባእ ምክትል ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ላዕለወይቲ ሓላዊት ኮከስ ደቂ ኣንስትዮን ወ/ሮ ሎሚ በዶ ገሊፀን፡፡
ኣካላት ፈፀምቲ ስራሕ ኮከስ ተመረፅቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመትን ፈረቓን ኣፈፃፅማ ገምጊሞም።
ወ/ሮ ሎሚ ኣብቲ እዋን÷ ብብርኪ ሃገር ዝስርሑ ዘለው ስራሕቲ ንኩለን ደቂ ኣንስትዮ ተሳታፍነትን ተረባሕነትን ኣብ ግምት ዘእተወ ክኸውን ከምዘለዎ ኣገንዚበን፡፡
ንኣብነት ከይዲ መድረኽ ዘተ÷ኣብ ቀፃሊ ዝካየድ ሃገራዊ መረፃን ካልኦት እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ፍትሓዊ ውክልና ክህልወን ምግባር ይግባእ ኢለን፡፡
ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ካብ ብሕዚኡ ንምብቃዕ ኣበርቲዐን ከምዝሰርሓ ኣብቲ ምኽሪ ቤት ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡
Comments (0)
Add Comment