ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ዘይስሩዕ ኩናትን ፀረ-ደባይን ንምኽያድ ስትራቴጂካዊን ነቲ ዓውዲ ዝረድእን ኣመራርሓ ምህናፅ ይግባእ ክብሉ ኣዛዚ እዚ ኮማንደርን ኣየር ወለድን ሌ/ጄ ሹማ አብደታ ኣገንዚኖም፡፡
ሌ/ጄ ሹማ ኣብደታ ኣብ ኮሌጅ ምክልኻል ዋር ሳልሳይ ዙር ስሩዕ ተመሃሮ ግንዛበ መውሀቢ ትምህርቲ ሂቦም፡፡
ኣብቲ እዋን ጄኔራል መኮንኑ ከምዝበልዎ÷ ዘይስሩዕ ኩናትን ፀረ-ደባይ ውግእን ንምክያድ ነቲ ዓውዲ ዝተረደአ ከምኡ እውን መዓዝን ኣበይን ክበፅሕ ይክእል ብዝብል ስትራቴጂያዊ ኣመራርሓ ምህናፅ ይግባእ ኢሎም፡፡
እዞም ነጥብታት ብጥንቃቐ ምስራሕ ተተኻኢሉ ዝበፅሕ ዘይስሩዕ ኩናትን ፀረ-ደባይ ውግእን ብዓወት ምዝዛም ይክኣል ኢሎም፡፡
ብንኡሽተይ ክሳራ ዓብዩ ዓወት ምምዝጋብ ዝክኣል ኣመራርሓ ዓርሱ ንምብቃዕ ፕሮፌሽናል ሰራዊት ምህናፅ እንትኽእል ምዃኑ ኣገንዚቦም፡፡
ኮሌጅ ምክልኻል ዋር ተመሃሮ ዝመሃሩሉ ክልስ ሓሳብ ወታደራዊ ሳይንስ ምስ ህልው ኩነታት ኢትዮጵያ ዝዛመድ ክኸውን ከምዘለዎ ኣፅንኦት ሂቦም፡፡