ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዘጋጠሙና ፈተናታት ብምስጋር ጠንካራ ሃገር ንምህናፅ ዓወት ዓድዋ ምጥቃም ከምዝግባእ ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ኣይሻ መሓመድ(ኢ/ር) ገሊፀን።
መበል 129 ዓወት ዓድዋ፥ “ዓድዋ ዓወት ፀለምቲ ህዝብታት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ይኽበር ኣሎ።
ኣይሻ መሓመድ (ኢ/ር) ኣብ ዘመሓላለፍኡ መልእኽቲ፥ ሓድነትና ብምጥንኻርን ዘጋጠሙና ፈተናታት ብምስጋርን ጠንካራን ምዕብልቲን ኢትዮጵያን ኣፍሪካን ንምህናፅ ክንጥቀመሉ ይግባእ ኢለን።
ዓድዋ እንዝክሮ ታሪክ ጥራሕ ዘይኮነስ ንትውልዲ እነውርሶ ዓብዪ ሓላፍነት ኢዩ ብምባል፥ ዓድዋ ኣፍሪካዊያን ንነፃነት ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ብምቅፅፃል ንዓወት ከምዘብቀዖም ገሊፀን።