ፊቼ ጫምባላላ ምስ መስሕባት ቱሪዝም ክተኣሳሰር ከምዝግባእ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፊቼ ጫምባላላ ምስ መስሕባት ቱሪዝም ክልል ሲዳማ ክተኣሳሰር ከምዝግባእ ሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ ኣገንዚበን።

መለወጢ ዘበን ብሄረ ሲዳማ ዝኾነ በዓል ፊቼ ጨምበላላ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ጉዱማሌ ይኽበር ኣሎ።

ኣብቲ እዋን እተን ሚኒስትር ከምዝበልኦ÷ ካብ ብዙሓት ዘይድህሰሱ ቅርስታት ውሽጢ ፊቼ ጫምባላላ ሓደ እዩ፡፡
እዚ በዓል ኣብ ክልል ሲዳማ ምስ ብዙሓት መስሕባት ቱሪዝም ክተኣሳሰር ከምዝግባእ ገሊፀን፡፡

ብተወሳኺ እቲ በዓል ብዓለም ለኸ ተወዳዳሪ መባፅሕ ቱሪዝም ንክኾን ክስራሕ ከምዝግባእ ሓቢረን፡፡
ብብርሃኑ በጋሻው

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment