ፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ምስ ሃገራዊ ሬድዮን ቴሌቪዥንን ቻይና ብምትሕብባር ንምስራሕ ተሰማዕሚዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ምስ ሃገራዊ ሬድዮን ቴሌቪዥንን ቻይና ብምትሕብባር ንምስራሕ ስምምዕነት ኣካይዱ፡፡

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ኣድማሱ ዳምጠው ምስ ኣማኻሪ ዓውዲ ባህሊ ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዣንግ ያዌይን ምክትል ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ልውውጥ መምርሒ ቁጠባዊን ቴክኒካልን ቻይና ፈንግ ቦንን ዘተ ኣካይዶም።

ኣብቲ እዋን ዘተ÷ ፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ብሸሞንተ ቋንቋታት ውሽጢ ዓዲን ብኽልተ ቋንቋታት ወፃእን ብቴሌቪዥን፣ ሬድዮን ዲጂታል ሚድያን ኣማራፂታት ተበፃሒ ምዃኑ ኣይተ ኣድማሱ ገሊፆም፡፡

ምስ ቻይና ሃገራዊ ሬድዮን ቴሌቪዥንን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ብሓባር ንምስራሕ ስምምዕነት ምብፅሑ ብምሕባር÷ እቲ ትካል ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ተቀራሪቡ ንምስራሕ ድልው ምዃኑ ኣረጋጊፁ።

ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝብን ዘጠናኽሩ፣ ስነ-ጥበብ፣ ፈጠራን ካልኦት ጉዳያትን ጠመተ ዝገበሩ ምድላዋት ንምቕራብን ብሓባር ንምስራሕ ስምምዕነት ምክያዱ ኣብሪሆም።

ብተወሳኺ ህንፀት ዓቕሚ፣ ደገፍ ቴክኖሎጂ፣ ልውውጥ ልምድን ስልጠናን ሓዊሱ ካልኦት ደገፋት ኣብዝግበረሎም ጉዳያት ዘተ ምክያዶምን ምስምዕመዖምን ተዛሪቦም፡፡

ኣብቲ ዘተ ኣማኻሪ ዓውዲ ባህሊ ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ዣንግ ያዌይን ብግዲኦም ሃገሮም ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ጠንካራ ፕሮጅክታት ከምዘለዎም ብምሕባር÷ ኣብዚ መዳይ ምስ ፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ክሰርሕ ድሌት ከምዘለዎ ገሊፆም።

ወሲኹ እውን ኣብ ባህሊ፣ ስልጠናን ልውውጥ ልምድን ጠመተ ሂቡ ከምዝሰርሕ ሓቢሩ።

ፈንግ ቦ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ተፈታውነት ዝረኸቡ መደባት ቻይና

ንሃገራት ኣፍሪካ ብምሃብ ኣብ ባህሊን ቴክኖሎጂን ከምኡውን ካልኦት ጉዳያትን ክሰርሑ ምዃኖም ብምሕባር÷ብፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ኣቢሎም ዝተፈላለዩ መደባት ንምቕራብ ድሌት ከምዘለዎም ኣብሪሆም።

 

ብዮናስ ጌትነት

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment