ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል ምትሕብባር ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግናን ኣደም ፋራህ ንበዓል ፍቼ ጫምባላላ ናይ እንቋዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
ኣይተ ኣደም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ በዓል ዋና ዝነኣድ ባህሊ ዝኾነ ህዝቢ ሲዳማ ብመሰረት ናይ ባዕሉ ቀመር ግዜ ዘኽብሮ እቲ በዓል ዘመን ካብ ምልዋጥ ብተወሳኺ ተስፋ፣ ምሕዳስን ብሩህነትን ዝሰንቀሉ ብስራሕ ሓዱሽ ዘበን ኢዩ ኢሎም።
ምስጋና፣ ፍቕሪ፣ ሓድነት፣ ዕርቀ ሰላም፣ ሰላም፣ ለዋህነት ፍረታት በዓል ፍቼ ጫምባላላ ከምዝኾኑ እውን ገሊፆም።
ከም ፓርቲ ብልፅግና ኣብ ቀፃሊ እቲ በዓል ካብዚ ብዝበለፀ ክብሩ ሓሊዩ ንክኽበር ኣድላዪ ደገፍ ንምግባር ኢሉውን ናይቲ በዓል ውፅኢታት ንሓገራዊ ሓድነትን ህብረ ብሄራዊ ተወሳኺ ዓቕሚን ንክኾኑ ብዝግባእ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።