ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ንላዕለዋይ ልኡኽ ሓይሊ ምክልኻል ናይጄሪያ ተሞክሮ ልምዓት ኢትዮጵያ ኣካፊለን

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ፕላንን ልምትን ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ንላዕለዋይ ልኡኽ ሓይሊ ምክልኻል ናይጄሪያ ተሞክሮ ልምዓት ኢትዮጵያ ኣካፊለን።

49 ኣባላት ዘካተተ ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ሓይሊ ምክልኻል ናይጄሪያ ኣብ ሚኒስቴር ፕላንን ልምዓትን ዑደት ስራሕ ገይሩ።

ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ዑደት፤ ኣብ ዘላቒ ልምዓት፣ ኢትዮጵያ ኣብ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ዓውዲታት ትሰርሖም ስራሕቲ ዝምልከት ገለፃ ብምግባር ተሞክሮ ኣካፊለን።

ኣባላት እቲ ጉጅለ ልኡኽ ንዝተገበረሎም ገለፃን ኣቀባብላን ምስጋና ምቕራቦም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment