ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)በዓል መዚ በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ)ፎረም ፍሉይ ልኡኽ ከይዲ ሰላም ሱዳን ኣኼባኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናካየደ ይርከብ፡፡
ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን÷ እቶም ፍሉያት ተወከልቲ ንከይዲ ሰላም ሱዳን ዘለዎም ምውዳድን ምትሕብባርን ከጠናኽሩ ከምዝግባእ ተዛሪቦም፡፡
እቲ ፎረም ኣብ ሱዳን ሰላም ንምምፃእ ዝግበሩ ፃዕሪታት ዝተዋደዱን ዝተናበቡን ክኾኑ ዝስራሕ ስራሕ እንኸውን÷ ኣብ ሱዳን ዘሎ ጎንፂ ንምፍታሕ ሓበራዊን ግልፂን ኣካይዳ ንምፍጣር ዝዓለመ ከምዝኾነ ግዜኢ ፀብፂቡ።
ኢጋድ እቲ ከይዲ ሰላም ብወናንነትን መሪሕነትን ሱዳናውያን ክሳለጥን ብቖራፅነት ከምዝሰርሕን ኣረጋጊፁ።