ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፓርቲ ብልፅግና ካልኣይ ስሩዕ ጉባኤኡ ‘ካብ ቃል ክሳብ ባህሊ’ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ንሰለስተ መዓልቲታት ከካይድ ኢዩ፡፡
ሓላፊ ርክብ ዓለም ለኸን ህዝቢን እቲ ፓርቲ ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ከምዝበሉዎ፤ ካብ ሎሚ መዓልቲ 23 ክሳብ 25 ጥሪ 2017 ዓ.ም ኣብ ዝካየድ 2ይ ስሩዕ ጉባኤ እቲ ፓርቲ ብዙሓት ውሳነታት ክውሰኑ ኢዮም።
ካብዚ ብተወሳኺ ወሰንቲ ኣንፈታት ዝመሓላለፉሉ ጉባኤ ከምዝኸውን ኣመልኪቶም።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ ሰንበት ኣብ ዝካየድ ጉባኤ÷ ካብ ኣባላትን ኣመራርሓን እቲ ፓርቲ ብተወሳኺ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ብዘይ ድምፂ ክሳተፉ ኢዮም።
ካብዚ ብተወሳኺ 43 ላዕለዎት ኣመራርሓ ካብ 15 ሃገራት ዝተውፃእፅኡ ኣሕዋት ፓርቲተት ኣባል ሃገራትን ኣሕዋት ፓርቲታት ኣባል ሃገራት ብሪክስን ከምዝሳተዱ ትፅቢት ይግበር፡፡
ብኣፈወርቅ እያዩ