ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ፕሬዚዳንት ታዬ አፅቀ ስላሴ ምስ ዋና ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ፕሮጀክት ሕቡራት መንግስታት ጆርጅ ሞሪኤራ ዳ ሲልቫ ዘትዮም።
ፕሬዚዳንት ታዬ አፅቀ ስላሴ ኣብቲ እዋን÷ እቲ ቤት ፅሕፈት መንግስቲ ኣብ ዝፍፀሙ ዝተፈላለዩ ኣሰራርሓታት ዕድጊት ስራሕቲ ህንፀት ዓቕሚ ከካይድ ሓቲቶም።
ብተወሳኺ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ዘካይዶም ዘለው ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ኢትዮጵያውያን ኣቕረብቲ ናውቲ ክሳተፉን ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ቤት ፅሕፈት ከስፍሕፍሕ ሕቶ ኣቕሪቦም፡፡
ዋና ዳይሬክተር እቲ ቤት ፅሕፈት ጆርጅ ሞሪኤራ ዳ ሲልቫ ብግዲኦም÷ ምስቶም ፕሬዚዳንት ውፅኢታዊ ዘተ ምክያዶም ብምግላፅ እቲ ቤት ፅሕፈት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘሎ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምዝደሊ ሓቢሮም፡፡