ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ 2017 ዓ.ም በጀት ዓመት ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ
ፕሮጀክታት ልምዓት መስኖ ዝተመሓየሸ ኣፈፃፀም እናዝገቡ ምዃኖም ሚኒስትር መስኖን ከባቢታት ቆላን ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ 2017 ዓ.ም በጀት ዓመት ሳልሳይ ርብዒ ዓመት ዝተማልአ ትግበራ ማክሮ ኢኮኖሚ 100 መዓልቲታት ገምጋም ኣፈፃፅማ ትሽዓተ ኣዋርሕ ተኻይዱ፡፡
ሚኒስትር መስኖን ከባቢታት ቆላን ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ኣፈፃፅማ ትሽዓተ ኣዋርሕ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ÷ ኣብ ኩሉ ዓውዲ ልዕሊ ትልሚ ኣፈፃፅማ ምምዝጋቡ ኣብራህርሆም፡፡
ብሓፈሻዊ ሃገራዊ ዕብየት ኢኮኖሚ ከምዘዕውቱ ዝተመዝገቡ ዓወታትን ኣረኣእያ ምዃኑ ብምሕባር÷ ኣብ ዓውዲ ልምዓት መስኖ ዘዕግብ ኣፈፃፅማ ምህላው ሓቢሮም፡፡
መንግስቲ ፌዴራል ዓበይቲ ፕሮጀክታት መስኖ የህንፅ ኣሎ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር÷ እዞም ፕሮጀክታት ከይጉድኡን ከይተኣጓጎሉን ክልላትን እቲ ማሕበረሰብን ብበዓል ገዛነት ክሰርሕ ኣለዎም ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ ፡፡