ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ ኣብ መወዳእታ እዚ በጀት ዓመት ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጅምር ሚኒስቴር መስኖን ቆላማ ከባቢን ኣፍሊጡ።
ሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባቢን ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር)፣ ሓላፊ ዘፈር ፖለቲካ ፓርቲ ብልፅግና ሚኒስትር ሰማ ጥሩነህ (ዶ/ር) ከምኡ እውን ካልኦት ኣመራርሓን ሰራሕተኛታት እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዝተረኸቡሉ ኣፈፃፅማ ትልሚ ትሽዓተ ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2017 ዘድሀበ ዘተ ተኻይዱ።
ኣብቲ መድረኽ ኣብ ፕሮጀክታት ልምዓት መስኖ ዕዉትን ውፅኢታዊን ኣፈፅማ ከምዝተመዝገበ ተገሊፁ።
ብፍላይ ድማ ፕሮጀክታት ልምዓት መስኖ መገጭ፣ ጨልጨል፣ ከሰም፣ ተንዳሆን ዱብቲ ዳይክን ኣብዚ በጀት ዓመት ዕዉትን ውፅኢታዊን ኣፈፃጥማ ዝነበሮም ፕሮጀክታት ከምዝኾኑ ኣመልኪቶም።
ብፍላይ ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ ወልመል ኣብ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት ብምዝዛዘም ኣገልግሎት ክህብ ኢዩ ተባሂሉ።
ፕሮጀክት ልምዓት መስኖ ጎዴ ቅድሚ ኣዋርሕ ተመሪቑ ንኣገልግሎት ከምዝበቕዐ ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር ኣመልኪቱ።