ፖሊስ ብዙሓት ዘይሕጋዊ ጦር መሳርሒታት ምስ 146 ተጠርጠርቲ ከምዝሓዘ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ኣብ ትሽዓተ ኣዋርሕ እዚ በጀት ዓመት ብዙሓት ዘይሕጋዊ ጦር መሳርሒታት ምስ 146 ተጠርጠርቲ ከምዝሓዘ ኣፍሊጡ፡፡

ብመሰረት እዚ ዘይሕጋዊ ጦር ዝውውር መሳርሒ ንምክልኻል ብዝተገበረ ኦፕሬሽን፤ 121 ጦር መሳርሒታት ካብ መንበሪ ኣባይቲ፣ 8 ሺሕን 989 ካብ ፀረ-ሰላም ሓይሊታትን 36 ጦር መሳርሒታትን ኣብ ኬላታት ከምዝሓዘ ገሊፁ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ 6 ሺሕን 351 ዝተፈላለዩ ጠያይቲ ጦር መስርሒታት ካብ መንበሪ ኣባይቲ፣ 8 ሺሕን 989 ካብ ሓይሊታት ፀረ-ሰላም፣ 51 ሺሕን 846 ኣብ ኬላዎች ከምዝተትሓዙ ሓበሬታ ፖሊስ ፌደራል ኣመልኪቱ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ 236 ዝተፈላለዩ ካዝናታት ጦር መሳርሒ ኣብ መንበሪ ኣባይቲን 148 ኣብ ኬላታትን ከምዝተትሓዙ ተሓቢሩ፡፡

ብተመሳሳሊ 1 ብሬን ካብ ሓይሊታት ፀረ-ሰላም፣ 2 ብሬን ኣብ ኬላታት ዝተትሓዘ እንትኸውን፤ 31 ዝተፈላለዩ ቦምቢታት ካብ መንበሪ ኣባይቲ፣ 25 ቦምቢታት ካብ ሓይሊታት ፀረ-ሰላም፣ 122 ቦምቢታት ኣብ ኬላታት ከምዝሓዘ ፖሊስ ኣፍሊጡ፡፡

ሕብረተሰብ ዘይሕጋዊ ዝውውር ጦር መሳርሒታት እንትዕዘብ ብመተግበሪ ተሳትፎ ዜጋታ (EFPApp)ን ብናፃ መስመር ስልኪ 991ን ሓበሬታ ብመሃብ ዜግነተዊ ብፅሒቱ ንኽዋፃእ ፖሊስ ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡

Comments (0)
Add Comment