ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ መበገሲታት ኣብ ውሽጢ 6 ኣዋርሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከባቢታት እዛ ሃገርን ናይ ዘጋጠሙ 103 ባርዓት ሓዊ ብምርመራ ፎረንሲክ ኣፃርዩ ውፅኢቱ ዕላዊ ገይሩ።
ዲፓርትመንት ምርመራ ፎረንሲክ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ብኣዋጅ ብመሰረት ዝተውሃቦ ስልጣን እዚ ዘበን ዘፍረዮም ምዕቡላት መሳርሒታት ላቦራቶሪ ብምጥቃም ካብ ኩለን ከባቢታት እዛ ሃገር ዝቐረቡሉ ባርዓት ሓዊ መበገሲ ብምፅራይ ዝበነፅሖ ምርመራ ፎረንሲክ ውፅኢት ከምዝስዕብ ኣቕሪቡ።
- ብምኽኒያት ፀገም ቴክኒክ ኤሌክትሪክ ዝበፅሐ 50 ባርዕ፤
- ብምኽኒያት ፀገም መካኒካል ዘጋጠመ 11 ባርዕ፤
- ዳነ ተባሂሉ ብሰብ ዝበፅሐ 10 ባርዕ፣
- ብሸለልትነት ዘጋጠመ 17 ባርዕን
- ብኻልኦት ምኽኒያታት ዘጋጠመ 15 ባርዕን ከምዝኾነ ኣረጋጊፁ።
ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ጥራሕ 96ን፣ ኣብ ክልላት ድማ 7 ብሓፈሻ 103 ሓደጋታት ባርዕ ሓዊ ምግጣሞም ተገሊፁ።
11 ጥቅምቲ 2017 ዓ.ም ምሸት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ኣዲስ ብተለምዶ ሸማ ተራ እናተብሃለ ኣብ ዝፅዋዕ ማእኸል ዕዳጋን ከባቢኡን ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ መበገሲኡ ፀገም ቴክኒክ ኢሌክትሪክ ከምዝኾነ ኣብቲ ምርመራ ፎረንሲክ ምፅራይ ከምዝተኽኣለ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
ኣብቲ ዝሓለፈ 6 ኣዋርሕ 582 መንበሪ ኣባይቲ፣ 12 ተሽከርከርቲ፣ 1965 ኣባይቲ ንግዲ፣ 6 ፋብሪካታትን ዝተፈላለዩ ትካላትን ብምኽኒያት ባርዕ ሓዊ ጉድኣት ከምዘጋጠሞም ፀብፃብ 6 አዋርሕ ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ የመላኽት።