10 ሺሕን 600 ዕጡቓት ፃውዒት ሰላም መንግስቲ ከምዝተቐበሉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ 10 ሺሕን 600 ዕጡቓት ፃውዒት ሰላም መንግስቲ ከምዝተቐበሉ ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀፅታን እቲ ክልል እሸቴ የሱፍ (ዶ/ር) ኣፍሊጦም፡፡

ከም ገለፃ እቶም ሓላፊ፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብምንቅስቓስ ኣብ ተግባር ዘረፋን ምቕታልን ዝተዋፈረ ፅንፈኛ ጉጅለ ብምክትታል ዝተጠናኸረ ስጉምቲ እናተወሰደ ይርከብ፡፡

በዚ ድማ ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ምርግጋእ ተፈጢሩ ስሩዕ ምንቅስቓስ ከምዝቐፀለ ብምሕባር፤ ፃውዒት ሰላም መንግስቲ ዝተቐበሉ ዕጡቓት እውን ኢዶም ንመንግስቲ እናሃቡ ከምዝርከቡ ንግዜኢ ተዛሪቦም፡፡

ኣብዚ ዓመት ክሳብ ሕዚ 10 ሺሕን 600 ዕጡቓት ፃውዒት ሰላም መንግስቲ ከምዝተቐበሉ ኣረጋጊፆም፡፡

Comments (0)
Add Comment