ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)17 ሺሕን 400 ነበር ተዋጋእቲ ከይዲ ስልጠና ተሃድሶ ብምሕላፍ ናብ ማሕበረሰብ ከምዝተፀምበሩ ብሄራዊ ኮሚሽን ተሃድሶ ኣፍሊጡ፡፡
ኮሚሽነር ኮሚሽን ተመስገን ጥላሁን ከምዝገለፁዎ÷ ነበር ተዋጋእቲ ናብ ማሕበረሰብ ናይ ምፅምባርን መሊስካ ናይ ምጥያሽን ስራሕ ደረጃኡ ብዝሓለወ መልክዑ እናተወገነ ይርከብ፡፡
ኣብቲ ጉዳይ ምስ ክልላት ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ ኦሮሚያን ዓፋርን ብምውዳድ ከምዝተሰርሐ ብምሕባር÷ እዚ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግበኦ ተዛሪቦም፡፡
ብፍላይ ትካላዊ ዓቕሚ ምፍፃም ብምድንፋዕ ኣብ ቀዳማይ ዙር እቲ ፕሮግራም ተሳተፍቲ ንዝኾኑ ነበር ተዋጋእቲ መፈፀሚ ሃፍቲ ካብ መንግስቲን ለገስቲ ኣካላትን ምርካቡ ዝበረታታዕ ከምዝነበረ ፀሪሖም፡፡
ካብ 12 ሕዳር 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ካብ ክልላት ትግራይ፣ ዓፋር፣ ኣምሓራን ኦሮሚያን ልዕሊ 17 ሺሕን 400 ነበር ተዋጋእቲ ከይዲ ስልጠና ተሃድሶ ብምሕላፍ ናብ ማሕበረሰብ ከምዝተፀምበሩ ሓበሬታ እቲ ኮሚሽን የመላኽት፡፡