ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ክልል ኦሮምያ 24 መጋቢት ምኽንያት ብምግባር ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ዘሳተፈ ስፖርታዊ ምንቅስቓሳት ይካየድ ኣሎ።
24 መጋቢት ሃገራዊ ለውጢ ጋህዲ ዝኾነሉ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ መሰረት ዝተነብረሉን ዕለት ምኽንያት ብምግባር እዩ ስፖርታዊ ምንቅስቓሳት እናተኻየደ ዝርኸብ፡፡
ብተወሳኺ እቲ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ኣብ ናይ ለውጢ እዋናት ዝተረኸቡ ዓወታት ኣጠናኺሩ ንምቕፃልን ህንፀት ዓብዩ ግድብ ንምዝዛም ህዝባዊ ደገፍ ንምጥንኻርን ዝዓለመ ምዃኑ ተገሊፁ።
ኣብቲ ስፖርታዊ ምንቅስቓስ ኣመራርሓታት እቲ ክልል፣ ኣባ ገዳታትን ሀደ ስንቄታትን ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ተወከልቲ ክፋላት ሕብረተሰብ ተረኺቦም።