272 ሚሊየን ብር ግምት ዋጋ ዘለዎም ናውቲታት ኮንትሮባንድ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) 272 ሚሊየን ብር ግምት ዋጋ ዘለዎም ናውቲታት ኮንትሮባንድ ምትሓዙ ኮሚሽን ጉምሩክ ኣፍለጡ፡፡

እቲ ኮሚሽን ካብ  18 ክሳብ 25 መጋቢት 2017 ዓ.ም ብዝገበሮ ክትትል 187 ነጥቢ 4 ሚሊየን ብር ኣታዊን 84 ነጥቢ 6 ሚሊየን ብር ወፃኢን ናውቲታት ኮንትሮባንድ ዝሓዞም፡፡

ካብቶም ዝተትሓዙ ናውቲታት ኮንትሮባንድ ማዓድናት፣ ክዳውንቲ፣ቡን፣መለዋወጢ ተሸከርከርቲ፣ መዐወኒ ሓሽሽ፣ መድሓኒትን ገንዘብ ወፃኢን ከምዝርከብዎ ተገሊፁ፡፡

እቶም ናውቲታት ኮንትሮባንድ ከዘዋውሩ ተረኺቦም ዝተብሃሉ  ሸሞንተ ተጠርጠርቲን ሸውዓተ ተሸከርከርቲን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓሎም ኣብቲ ኮሚሽን ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ፡፡

 

Comments (0)
Add Comment