ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ 3 ሺሕን 367 ኢትዮጵያውያን ኣብዚ ሰሙን ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኣፍሊጡ፡፡
ኣብዚ ሰሙን ብዝተገበሩ ትሽዓተ በረራታት ዝተመለሱ ዜጋታት ኩሎም ደቂ ተባዕትዮ እንትኾኑ÷ 18 ዕድሚኦም ትሕቲ ሸሞንተ ዓመት ዝኾኑ ሰገናት ከምዝርከቡዎም ተገሊፁ።
ንተመስቲ ዜጋታት ኣብ መዕርፊ,ፎ ነፈርቲን ማእኸላት ምፅንሒን ግቡእ ሓገዝን ክንክንን ናይ ምግባርን ምስ ስድረኦም ናይ ምፅምባርን ስራሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡