ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት ዝነበሩ 3 ሺሕን 539 ኢትዮጵያውያን ኣብዚ ሰሙን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም፡፡
ኣብ ውሽጢ እዚ ሰሙን ካብ ሞንጎ ዝተመለሱ 2 ሺሕን 999 ደቂ ተባዕትዮ፣ 501 ደቂ ኣንስትዮን 39 ዕሸል ህፃናትን እንትኾኑ፤ 105 ዕድሚኦም ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾኑ ሰገናት ይርከቡዎም።
50 ሺሕ ዜጋታት ንምምላስ ተሓሲቡ ካብ 3 መጋቢት 2017 ዓ.ም ጀሚሩ እናተሰርሐ ኣብ ዝርከብ ስራሕ ክሳብ ሕዚ 8 ሺሕን 917 ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱ ሓበሬታ ሚኒስቴር ደቂ ኣነስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን የመላኽት።