3 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ዕዳ ኣብ እፎይታ ስምምዕነት ተበፂሑ – ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ምስ ኮሚቴ ኣለቃሕቲ ኢትዮጵያ እናተገበረ ብዝነበረ ድርድር ብብርኪ መምርሒ 3 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ዕዳ ኣብ እፎይታ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሺዴ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር እዚ ዝገለፁ፤ (ዶ/ር) ኣፈፃፅማ ሳልሳይ ርብዒ ዓመት 2017 100 መዓልቲን ትግበራ ዝተማለአ ማክሮ ኢኮኖሚ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕን ኣመልኪቶም ዝሃቡዎ መብርሂ ኢዩ፡፡

በዚ ድማ ብመሰረት ምስ ኮሚቴ ኣለቃሕቲ ዝተገበረ ስምምዕነት ኣብ ቀረባ እዋን ሰነድ ስምምዕነት ከምዝፍረምን ምስ ሕድሕ ኣለቃሕቲ ሃገራት ዝርዝር ዘተታት ከምዝግበሩ ገሊፆም፡፡

ፅዕንቶ ዕዳ ኣብ ምንካይ ኣብዚ ዓመት ልዑል ውፅኢት ከምዝተረኸበ ዝሓበሩ እቶም ሚኒስትር፥ ዓቕሚ ኣታዊን ወፃኢ ንግዲን ከምኡ እውን ኣፈፃፅማ ትካላት ልምዓት መንግስቲ ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ከምዝርከብ ኣብቲ ገምጋም ከምዝተሓበረ ኣብሪሆም፡፡

መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ስዒቡ ተመን ሸርፊ ወፃኢ ብዕዳጋ ብምውሳኑ ኣብ ኣተውቲ ፍርያት ማሕበረሰብን ዘስዕቦ ፅዕንቶ ንምፅዋር ዘኽእል ልዑል በጀት ድጎማ ከምዝተመደበ ገሊፆም፡፡

ብሃይለማሪያም ተገኝ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment