302 ኢትዮጵያዊያን ካብ ስዑድ ዓረብ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታ ዝነበሩ 302 ኢትዮጵያዊያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም።

ካብ 4 ሚያዚያ 2016 ዓ.ም ጀሚሩ እናተወገነ ኣብ ዝርከብ ዜጋታት ካብ ስዑድ ዓረብ ናይ ምምላስ ስራሕ ክሳብ ሕዚ 91 ሺሕን 420 ኢትዮጵያዊያን ናብ ሃገርምምላስ ከምዝተኽኣለ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኣፍሊጡ።

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብዚ ሰሙን 168 ኢትዮጵያዊያን ካብ ኦማን ናብ ሃገሮም ከምዝተመለሱ ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር ኣመልኪቱ፡፡

Comments (0)
Add Comment