ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ 6ይ ዙር ስልጠና ዲፕሎማሰኛታት ሎሚ መዓልቲ ኣጀሚሩ፡፡
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ሓዊሱ ንካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ተረኺቦም፡፡
እቲ ስልጠና ንዝቕፅሉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሲቪል ሰርቪስ ዝወሃብ እንትኸውን÷ ሰልጠንቲ ኣብ ፃሒቶም ኣብ ፖሊሲ፣ ኣካዳሚክን ተግባር ተኮርን ዘድሀቡ ስልጠናታት ከምዝወስዱ ተገሊፁ።