ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ጀርመን ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ኣዲዳስ ኣዲዜሮ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተዓዊቶም።
ኣብ ውድድር 5 ኪሎ ሜትር ብደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት መዲና ኢሳ ቀዳማይቲ ብምዃን እንትትዕወት ብደቂ ተባዕትዮ ድማ ዮሚፍ ቀጀልቻ ቀዳማይ ብምውፃእ ተዓወትቲ ኾይኖም፡፡
ኣትሌት ፎትየን ተስፋይ ካልኣይ ደረጃ እንትትሐዝ÷ አትሌት ገላ ሀምበሴ ድማ ሳልሳይ ደረጃ ሒዛ።
ኣብ ውድድር 10 ኪሎ ሜትር ደቂ ኣንስትዮ ድማ ፋንታዬ በላይነህ ካልኣይ ብምዃን እንትትዛዝም ኣትሌት ሰናይት ጌታቸው፣ ኣትሌት ግርማዊት ገብረእግዜር፣ ኣለምኣዲስ እያዩን አትሌት ለምለም ንብረትን ድማ ካብ ሳልሳይ ክሳብ ሻድሻይ ብርኪ ብምሓዝ ዛዚመን፡፡
ብተመሳሳሊ ኣብ ውድድር 10 ኪሎ ሜትር ደቂ ተባዕትዮ ኣትሌት ገመቹ ዲዳ ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ምዝዛሙ ኣብ ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።