83 ስደተኛታት ካብ ጅቡቲ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ ለካቲት 17፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) 83 ስደተኛታት ካብ ጅቡቲ ናብ ኢትዮጵያ ምምላሶም ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ብርሃኑ ፀጋዬ ገሊፆም።

ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ጅቡቲ ምስ ዓለም ለኸ ትካላት ብምትሕብባር እቶም ስደተኛታት ክምለሱ ምስርሑ እቶም ኣምባሳደር ኣብ መራኸቢ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ መትከላት ብምኽባር ዶብ ሰገር ገበናት ከምእትከላኸል ብምሕባር፥  ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ሕጋዊ ብዝኾነ መገዲ ካብ ሃገር ናብ ካሊእ ሃገር ክንቀሳቐሱ ከምዘለዎም ኣገንዚቦም።

Comments (0)
Add Comment