Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ቢዝነስ

መሸጢ ዋጋ ነዳዲ ወርሒ ታሕሳስ ብዝነበሮ ክቕፅል ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መሸጢ ዋጋ ነዳዲ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ወርሒ ሕዳር ብዝነበሮ ዋጋ ንክቕፅል ብመንግስቲ ከምዝተወሰነ ሚኒስቴር ንግዲን ቀጣናዎ ዝምድናን ገሊፁ። መዐደልቲ ነዳዲን ኩባኒያታትን ዘይግቡእ መጠን ነዳዲ ካብ ምሓዝን ወሰኽ ዋጋ ምግባርን ብምቑጣብ እቲ ውሳነ…

መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ሞንሮቪያ ዝገብሮ በረራ ዳግም  ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ላይቤሪያ ሞንሮቪያ ዝገብሮ በረራ ዳግም  ጀሚሩ። ኣብ መርሃ ገብሪ እቲ ምጅማር፥ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ መገዲ ኣየር መስፍን ጣሰው፣ ኣምባሳደር ላይቤሪያ ኣብ ኢትዮጵያሉዊስ ሻሬንን ካልኦት ሰራሕተኛታትን ኣመራርሓን መገዲ…

ፍሪያታት ኢትዮጵያ ኣብ ኤግዚብሽን ዓለም ለኸ ሰንሰለት ቀረብ ቻይና ይፋለጡ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ፍሪያታት ኢትዮጵያ ኣብ ቤጂንግ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኤግዚብሽን ዓለም ለኸ ሰንሰለት ቀረብ ቻይና  ይፋለጡ ኣለዉ። ኣብቲ መርሃ ግብሪ፥ ናይ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመፅኡ ፍሪያታት፣ ኣምፃእቲን ለኣኽቲን፣ ኣቕረብቲ ይሳተፉ ኣለዉ።…

ኤግዚብሽንን ሲምፖዚዬምን ሞቢሊቲ ኢትዮ-ግሪን ዓቕሚ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ዘንፀባረቑ ኢዮም-ኣለሙ ስሜ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤግዚብሽንን ሲምፖዚዬምን ሞቢሊቲ ኢትዮ-ግሪን ዓቕሚ ዲፕሎማሲ ኢትዮጵያ ዘንፀባረቑ ኢዮም ክብሉ ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣለሙ ስሜ(ዶ/ር) ገሊፆም። እቶም ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣብ ዝሐሻለፉ…

ጉድኣት ኣብ ዘጋጠሞም ከባቢታት ዝርከቡ ኣናእሽቲን ማእኸለዎትን ኢንተርፕራይዛት ዝድግፍ ፕሮጀክት ናበ ስራሕ ንምእታው ዝዓለመ ዘተ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣዊን ሓደጋታት ጉድኣት ኣብ ዘጋጠሞም ከባቢታት ዝርከቡ ኣናእሽቲን ማእኸለዎትን ኢንተርፕራይዛት ዝድግፍ ፕሮጀክት ናበ ስራሕ ንምእታው ዝዓለመ ዘተ ተኻይዱ። ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ኣብ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ…

ሚኒስቴር ገንዘብን ባንኪ ኢንቨስትመንት መሰረተ ልምዓት እስያን ብሓባር ንምስራሕ ተረዳዲአን

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ገንዘብን ባንኪ ኢንቨስትመንት መሰረተ ልምዓት እስያን ብሓባር ንምስራሕ ተረዳዲአን። ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴ ምስ ፕሬዚዳነት እቲ ባንኪ ጂን ሊኩውን ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፥ ብሓባር ምስራሕ ኣብ ዘኽእሉ ዓውዲታት ምትሕብባር ዘቲዮም።…

ልዕሊ 312 ቢሊየን ብር ኣታዊ ተኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ 312 ነጥቢ 56 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝተኣከበ ሚኒስቴር እቶት ኣፍሊጡ። ትካላት እቶት መንግስቲ ፌዴራል፣ ክልላትን ምምሕዳራት ከተማን ገምጋም ኣፈፃፅማ ትልሚ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ የሳልጡ ኣለዉ።…

ካብ መሸጣ ሓይሊ ውሽጢ ሃገር 8 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር ኣታዊ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ካብ መሸጣ ሓይሊ ውሽጢ ሃገር 8 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝረኸበ ኣፍሊጡ፡፡ ምመሕዳርን ትሕዝቶን ትካላት ልምዓት መንግስቲ ኣፈፃፅማ ትልሚ ቀዳማይ ርብዒ በጀት ዓመት 2017  ሓይሊ…

ጉዳይ ቀረፅ ናብ ውሽጢ ዓዲ ዝኣትዋ ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ወፃኢ ዓዲ ሙሉእ ንሙሉእ ተገጣጢመን ናብ ውሽጢ ዓዲ ዝኣትዋ ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ 15 ሚኢታዊ ቀረፅ ጉምሩክ ዝቑረፀለን ዝነበረ 5 ሚኢታዊ ንክኸውን ከምዝተወሰነ ሚኒስቴር ገንዘብ ኣፍሊጡ። ሓላፊ መምርሒ ፖሊሲ ታክስ እቲ ሚኒስቴር ኣይተ ሙላይ…

ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ጉባኤ ልምዓት ትምህርቲ ሙያን ቴክኒክን ትሳተፍ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ) ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ኣብ ቻይና ቲያንጂን ኣብ ዝሳለጥ ዘሎ ዓለም ለኸ ጉባኤ ልምዓት ትምህርቲ ሙያን ቴክኒክን ይሳተፋ ኣለዋ። ወ/ሮ ሙፈሪሃት፥ ብዙሓት መናእሰይ ዝወነነት ኢትዮጵያ ለምዓት ሓይሊ ሰብ ቀንዲ ጠመተኣ ብምግባር…