Fana: At a Speed of Life!
Browsing Category

ዓለም ለኻዊ ዜናታት

ሜክሲኮ 10 ሺሕ ወተሃደራታ ኣብ ኣዋሳኒ ዶብ ኣሜሪካ ኣዋፊራ

ኣዲስ ኣበባ፣ ጥር 29፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ዝሃብዎ መፈራርሒ ታሪፍ ስዒቡ ሜክሲኮ 10 ሺሕ ወተሃደራታ ኣብ ኣዋሳኒ ዶብ ኣሜሪካ ከምዘዋፈረት ኣፍሊጣ። ፕሬዚዳንት ሜክሲኮ ክላውዲያ ሼንቦም ትእዛዝ ምትሕልላፎም ስዒቡ ኣባላት ብሄራዊ ሰራዊት እታ ሃገር ምስ…

ኣሜሪካ ንጋዛ መሊሳ ክትሃንፅ ትደሊ ኢያ ክብሉ ፕሬዚዳንት ትራምፕ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕን ቀዳማይ ሚኒስትር እስራኤል ቤኒያሚን ኔታንያሁን ኣብ ጉዳይ ኲናት እስራኤል-ጋዛ ብምድሃብ ተዛቲዮም፡፡ እቶም መራሕቲ ዘተኦም ኣመልኪቶም ኣብ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝሃቡዎ ሓበራዊ መግለፂ÷ ኣሜሪካ ጋዛ ብምርካብ ናብ…

ኔታኒያሁን ትራምፕን ኣብ ጉዳይ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ እስራኤል-ጋዛ ጠሚቶም ክዛተዩ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት እስራኤል ቤኒያሚን ኔታኒያሁ ምስ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ጋዛን ጉዳይ ኢራንን ጠሚቶም ክዛተዩ ኢዮም ተባሂሉ፡፡ እቶም መራሕቲ ሎሚ መዓልቲ ክራኸቡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡ ትራምፕ…

ሓማስ 8 ተዓገትትቲ ሰዲዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓማስ ብመሰረት ዝተኸተመ ውዕል ስምምዕነት ደው ምባል ተፃብኦ ሸሞንተ ተዓገትትቲ ከምዝሰደደ ተገሊፁ። እቶም ተዓገትትቲ  እንትስደዱ ኣብ ቴል ኣቪቭ ብዓብዪ ስክሪን ዝረኣዩ ብዙሓት እስራኤላውያን ታሕጓሶም እንትገልፁ ከምዝነበሩ ይረአ ነይሩ።…

ኣብ ኣሜሪካ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምልታም ኣውሮፕላንን ሄሊኮፕተርን ክሳብ ሐዚ 19 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ብዘጋጠመ ሓደጋ ምልታም ኣውሮፕላንን ሄሊኮፕተርን ክሳብ ሐዚ 19 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም። ምምሕዳር ኣቪዬሽን ኣሜሪካ ከምዝበሎ፥ እታ ኣውሮፕላን 60 ተጓዓዝቲን 4 ሰራሕተኛታት በረራን ብምስፋር ትጓዓዝ ዝነበረት ኢያ። እታ ሄሊኮፕተር…

ኣብ ዋሽንግተን ልዕል 60 ሰባት ዘሳፈረት ነፋሪትን ሰለስተ ወተሃደራት ዝሓዘት ሄሊኮፕተርን ተላቲመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣሜሪካ ዋሽንግተን ልዕል 60 ሰባት ዘሳፈረት ነፋሪትን ሰለስተ ወተሃደራት ዝሓዘት ሄሊኮፕተርን ኣብ ኣየር ምልታመን ተገሊፁ።   ምምሕዳር ኣቬሽን እታ ሃገር፥ እታ ነፋሪት 60 ተጓዓዝቲን ኣርባዕተ ሰራሕተኛታትን ኣሳፊራ…

ብዙሓት ፍልስጤማውያን ናብ መረበቶም ምምላስ ጀሚሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)እስራኤልን ሃማስን ብመሰረት ዝገበርዎ ስምምዕነት ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ፍልስጤማውያን ናብ መረበቶም ምምላስ ጀሚሮም። እስራኤልን ሃማስን  ዝበፅሕዎ ተዓገትትቲ ናይ ምልውዋጥ ስምምዕነት ስዒቡ ኢዩ እቶም ፍሊስጤማዊያን ተመዛበልቲ እስራኤል ተቖፃፂራቶ…

ኣብ ናይጄሪያ ናይ ነዳዲ ታንከር ፈንጂሩ ብውሑዱ ህይወት 15 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ናይጄሪያ ግዝኣት ኢኑጉ ቤንዚን ዝፀዓነት ታንከር ብዘጋጠማ ሓደጋ ምፍንጃር ሰለስተ ህፃናት ሓዊሱ ብውሑዱ ህይወት 15 ሰባት ሓሊፉ። እቲ ሓደጋ ምፍንጃር ነዳዲ ዝፀዓነት መኪና ካብ ቁፅፅር ወፃእ ብዝኾነ ኩነታ ምስ ካልኦት 6 ተሽከርከርቲ ብምግጫዋ…

ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ካብ ኣባልነት ትካል ጥዕና ዓለም ከምእትወፅእ ኣረጋጊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ፈረንጂ ካብ ኣባልነት ትካል ጥዕና ዓለም ከምእትወፅእ ኣረጋጊፁ። ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንትካል ጥዕና ዓለም ዝግበር ደገፍ ገንዘብ ንክቋረፅ ትእዛዝ ምትሕልላፎም ይዝከር። ምክትል ኣቐባሊ…

ፕሬዚዳንት ፑቲን ምስ ፕሬዚዳንት ትራምፕ ንምዝታይ ድልዊ ከምዝኾኑ ክሬምሊን ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ምስ ፕሬዚዳንት ዶናንድ ትራምፕ ንምዝታይ ድልዊ ከምዝኾኑ ክሬምሊን ኣፍሊጣ። ኣቐባሊ ቃል ክሬምሊን ዲሚትሪ ፔስኮቭ፥ ሩሲያ ምስ ትራምፕ ንዝግበር ዘተ ናይ ዋሽንግተን ምላሽ ትፅበ ከምዘላ ገሊፆም። ፕሬዚዳንት…