Fana: At a Speed of Life!

ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ምክያድ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ። ብመሰረት እዚ ሓፂርን ማእኸላይን ርሕቐት፣ 3 ሺሕ ሜትሮ መሰናክል፣ ስጉሚን ካልኦት ውድድራትን ሎሚ መዓልቲ ይካየዱ ኣሎዉ። ኣብ መኽፈቲ እዚ ዕለት መፃረዪን…

ጉጅለ ባህሊ ኢትዮጵያ ኣስመራ ኣትዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 06 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሚኒስትር ዲኤታ ባህልን ቱሪዝምን ፌዴሪኢ ወይዘሮ ብዙነሽ መሰረት ዝምራሕ ልዕሊ 60 ኣባላት ዝሓዘ ጉጅለ ባህሊ ኢትዮጵያ ሎሚ ሎሚ መዓልቲ ናብ ኣስመራ ኣትዩ። እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ኣስመራ ዓለምለኸ መዕርፎ ነፈርቲ እንትበፅሕ፥ ኮሚሽነር ባህሊን…

ኣብ ኢትዮጵያ 59 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ዝኾኑ ሰባት ቁፅሪ ስልኪ ከም ይሕለፍ-ቃል ይጥቀሙ – መፅናዕቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 06 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ተጠቀምቲ ግልጋሎት ኢንተርኔት 59 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ዝኾኑ ቁፅሪ ስልኪ ከም ይሕለፍ-ቃል /password/ ከምዝጥቀሙ መፅናዕቲ ሓቢሩ። እቶም ተገልገልቲ ኢንተርኔት ቁፅሪ ስልኪ ምጥቃሞም ፅኑዕ ይሕለፍ-ቃል ከምዝተጠቐሙ ይስመዖም…

ትካል ትራንስፖርት ባሕሪን ሎጂስቲክስን ኢትዮጵያ ዘመናዊ ዱኽዒ ሓመድ ንምጉዕዓዝ ዘኸእል ምስ ክልተ ዓለም ለኸ ትካላት ስምምዕነት ተፈራሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 06 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ትካል ትራንስፖርት ባሕሪን ሎጂስቲክስን ኢትዮጵያ ዘመናዊ ዱኽዒ ሓመድ (መዳበርያ) ንምጉዕዓዝ ዘኽእል ምስ ክልተ ዓለም ለኸ ትካላት ስምምዕነት ተፈራሪሙ። እቲ ትካል ነቲ ስምምዕነት ዝተፈራረመ ዲ ኤች ኤልን ዳይመንድ ሺፕ ቡከርን ምስ ዝተብሃሉ ክልተ…

ማልት ኣብ 12 ብከንቲባ ዝመሓደራ ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ፍሉያት ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ክትሃንፅ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ማሕበር ልምዓት ትግራይ ካብ 2012 ክሳብ 2014 ዓ/ም (ስትራተጂክ ትልሚ ሰለስተ ዓመታት) ኣብ 12 ብከንቲባ ዝመሓደራ ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ኣሕዳሪ ዘይኮና ፍሉያት ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ንምህናፅ ዘኽእላ ምድላዋት ከምዝወገነት ተገሊፁ።…

መንግስታውን ውልቀን ኮሌጃት ትግራይ ፅሬት ዘለዎ ትምህርቲ ንሰልጠንቲ ንምሃብ ዘኽእል ሓዱሸ መምርሕታት ይሰናዳእ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ክልል ትግራይ፥ መንግስታውን ውልቀን ኮሌጃት ፅሬት ዘለዎ ትምህርቲ ንሰልጠንቲ ንምሃብ ሓዱሸ መምርሕታትን ኣሰራርሓታትን ኣብ ምትእትታው ከምዝርከብ ገሊፁ። ሓላፊ ቢሮ ቴክኒክን ሞያን ክልል ትግራይ ዶ/ር ሙሉጌታ ሓዲስ፥ ኣብ…

ድልድል ኣውዲቕካ ምሕላፍ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ድልድል ኣውዲቕካ ምሕላፍ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ መዓልቲ ተሳሊጡ። ብመሰረት እዚ፦ • ሪያል ማድሪድ ምስ ማንችስተር ሲቲ • ቦርስያ ዶርትሙንድ ምስ ፒኤስጂ • ሊዮን ምስ ጁቬንቱስ • ኣትሌቲኮ ማድሪድ ምስ ሊቭርፑል…

ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ፅባሕ ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ፅባሕ ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ክጅመር ኢዩ። እቲ ውድድር ካብ 7 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብቲ ስታዲየም፥ ውድድር ሓፂርን ማእኸላይን ርሕቐት፣ 3 ሺሕ ሜትሮ መሰናክል፣ ስጉሚን ካልኦት ተግባራትን ክካየድ ኢዩ።…

ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝበፅሐ ሓደጋ ትራፊክ 13 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኣዌ፣ ወረዳ ጓጉሳ ሽጉዳድ ብዝበፅሐ ሓደጋ ትራፊክ 13 ሰባት ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ እታ ወረዳ ኣፍሊጡ። ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ዋና ኢንስፔክተር ኣማረ ፈረደ ንኣብመድ ከምዝበልዎ፥ እቲ ሓደጋ…

ኣብ ከተማ ባህርዳር 449 ዘይሕጋዊ ሸጓጉጢ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ባህርዳር 449 ዘይሕጋዊ ሸጓጉጢን ንዋታት ኮንትሮባንድን ተታሒዞም። እቶም ሸጓጉጢ ካብ ሕብረተሰብ ብመሰረት ዝበፅሐ ሓበሬታ፥ ኣብቲ ከተማ “ባህር ማዶ” ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ኣብ መንበሪ ሓደ ውልቀ ሰብ ከምዝተትሓዙ ቢሮ…