Fana: At a Speed of Life!
Browsing Tag

ዝተመረፁ

ርክብ ኢትዮጵያን ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካን ዘጠናክር ዘተ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ምስ ዋና ፅሓፊ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ሕቡራት መንግስታት ክላቨር ጋቴቴ ዘትዮም፡፡ ኣብ ዘትኦም ኢትዮጵያን ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካን ዘሎ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት…

ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኩሓ ንልዕሊ 1 ሽሕን 200 ወገናት ነፃ ምግፋፍ ሕክምና ሞራ ዓይኒ ክህብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኩሓ ንልዕሊ 1 ሽሕን 200 ወገናት ነፃ ምግፋፍ ሕክምና ሞራ ዓይኒ ከምዝህብ ኣፍሊጡ። እቲ ሕክምና ካብ 2 ክሳብ 8 ሚያዝያ 2017 ዓ/ም ከምዝወሃብ ተገሊፁ። ኣካያዲ ስራሕ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኩሓ ኣይተ መረሳ ገብረስላሴ፥  …

መድረኽ ሕውነት ህዝቢታት ሶማሌን ዓፋርን ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ርክብ ህዝቢታት ክልላት ዓፋርን ሶማሌን ንምጥንኻር ዝዓለመ መድረኽ ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ፡፡ ኣብቲ መድረኽ ዘተ ሚኒስትር ዴኤታ ሰላም ከይረዲን ተዘራ (ዶ/ር)፣ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና…

ኣብ ቻይና ናንጂንግ ዝተሳተፈ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ናይ ጅግና ኣቐባብላ ተገይሩሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ቻይና ናንጂንግ ኣብ ዝተኻየደ መበል 20 ዓለም ለኸ ሻምፕዮን ኣትሌቲክስ ውሽጢ ገዛ ዝተሳተፈ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ሎሚ ንግሆ ኣዲስ ኣበባ ኣትዩ፡፡ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሕ ናይ ጅግና…

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣብ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ፍሉይ ጠመተ ተዋሂቡ እናተሰርሐ ምዃኑ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ፍሉይ ጠመተ ተዋሂቡ እናተሰርሐ ምዃኑ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ኣፍሊጦም፡፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ደቡብ ወሎ ፍሉይ ወረዳ ኣርጎባ፣ ቃሉ፣ ከባቢ ደሴን ወረዳ ጋምቦን ንሓለዋ ሃፍቲ ተፈጥሮ ካብ ፈልሲ…

ብምኽንያት ፀገም ፀፅታ ልዕሊ 7 ነጥቢ 2 ሚሊየን ተምሃሮ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ኣይተመለሱን

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብምኽንያት ዝተፈጠረ ፀገም ፀፅታ ልዕሊ 7 ነጥቢ 2 ሚሊየን ተምሃሮ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ከምዘይተመለሱ ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ገሊፆም፡፡ ሚኒስትር ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ን ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ…

ኣብ ፋብሪካ ፓርቲክል ቦርድ ማይጨው ብዘጋጠመ ሃንደበታዊ ባርዕ ሓዊ 3 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሎሚ ረፋድ ኣብ ፋብሪካ ስራሕቲ ፓርቲክል ቦርድ ማይጨው ብሰንኪ ዘጋጠመ ሃንደበታዊ ባርዕ ሓዊ ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ሓደጋ ከምዘጋጠመ ተገሊፁ። እቲ ሓደጋ ባርዕ ብርብርብ ሓይሊ ሰብን መሽነሪታትን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓለ ተሓቢሩ።…

ሚኒስትር ኢነርጂ፣ ዕደናን ተሓዳሲ ሓይሊን ኣልጄሪያ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ሚኒስትር ኢነርጂ፣ ዕደናን ተሓዳሲ ሓይሊን ኣልጄሪያ መሓመድ ኣርካብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።   እቶም ሚኒስትር ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ…

መዓልቲ ውስንነት ዕቤት ኣእምሮ ኣብ መስቀል ኣደባባይ ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መዓልቲ ውስንነት ዕቤት ኣእምሮ (ዳውን ሲንድረም) ብኣተሓባባራይነት ዲቦራ ፋውንዴሽን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይኽበር ኣሎ። እቲ ዕለት "ስርዓታት ድጋፍና ነመሓይሽ" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ እናተኸበረ ዝርከብ። ኣብቲ መርሃ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ…

ኩይናት ብቴክኖጂን ውሑድ ሓይሊ ሰብን ናይ ምውዳእ ዓቕሚ ተሃኒፁ-ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሓይሊ ኣየር፣ ሳይበርን ሜካናይዝድን ብምዝማን ኩይናት ብቴክኖጂን ውሑድ ሓይሊ ሰብን ናይ ምውዳእ ዓቕሚ ተሃኒፁ ኢዩ ክብሉ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ገሊፆም። እዚ ሜካናይዝድ ዘሰልጠኖም ሞያተኛታት ሎሚ…