Fana: At a Speed of Life!
Browsing Tag

ዝተመረፁ

ሓፈሻዊ ሃገራዊ መረፃ 2012 ዓ.ም ኣብ ወርሒ ጉንበት ንምክያድ ዘኽእል ምድላው እናተገበረ ምዃኑ ቦርድ መረፃ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሓፈሻዊ ሃገራዊ መረፃ 2012 ዓ.ም ኣብ ወርሒ ጉንበት ንምክያድ ዘኽእል ምድላው እናገበረ ምዃኑ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ። ኣባል ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ወይዘሪት ብዙወርቅ ከተተ ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝነበረን…

ኣብ ግድብ ህዳሰ ኣድሂቡ ኣብ ካርቱም ክካየድ ዝቐነየ ዘተ ሚኒስትራት ማይ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ውፅኢታዊ ኮይኑ ከምዝተዛዘመ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ግድብ ህዳሰ ኣድሂቡ ኣብ ካርቱም ክካየድ ዝቐነየ ሳልሳይ ዙር ዘተ ሚኒስትራት ማይ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፂን ውፅኢታዊ ኮይኑ ምዝዛሙ ሚኒስቴር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ፌዴሪኢ ገሊፁ። ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጅነር ስለሺ…

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ጅቡቲን መስመር ቡምባ ተፈጥሮ ጋዝ ንምምሕልላፍ ዝተገበረ ስምምዕነት ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ጅቡቲን መስመር ቡምባ ተፈጥሮ ጋዝ ንምምሕልላፍ ዝተገበረ ስምምዕነትን ረቂቕ ኣዋጅ ቤት ህንፀት ፌዴራልን ኣፅዲቑ። ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ 7ይ ስሩዕ ኣኼብኡ ሎሚ መዓልቲ ዘሳለጠ እንትኸውን ረቂቕ ኣዋጅ ቤት…

ልዑል ገበን ግዕዝይና ተፈፂሙሎም ተባሂሎም ኣብ ልዕሊ ዝተጠርጠሩ ትካላት ዝተገበረ መፅናዕቲ ተዛዚሙ – ብሄራዊ ኣገልግሎት መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዑል ገበን ግዕዝይና ተፈፂሙሎም ተባሂሎም ኣብ ልዕሊ ዝተጠርጠሩ ትካላት ዝተገበረ መፅናዕቲ ምዝዘዛሙ ብሄራዊ ኣገልግሎት መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ኣፍሊጡ። ዋና ዳይሬክተር እቲ ኣገልግሎት ኣይተ ደመላሽ ገብረሚካኤል፥ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ…

ትግራይ ንቅድሚት ንክትስጉም ብሉፃት ስራሕቲ ዓቂብና ካልኦት ብሳይንስን ቴክኖሎጅን ክልወጡ ክንገብር እንተኽእልና እዩ-ዶ/ር ደብረፂዮን

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ) ትግራይ ንቅድሚት ክትስጉም ትኽእል ኩሉ ናይ ቀደም እናደገምና እናደጋገምና ብምስራሕና ዘይኮነስ፣ ብሉፃት ስራሕቲ ዓቂብና ካልኦት ብሳይንስን ቴክኖሎጅን ክልወጡ ክንገብር እንተኽእልና እዩ ክብሉ መክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶ/ር ደብረፂዮን…

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሰመራን ሆስፒታል ዱፍቲን ዑደት ኣካይደን

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕሳስ 13፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሰመራን ሆስፒታል ዱፍቲን ዑደት ኣካይደን። እተን ፕሬዚዳንት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሰመራ ኣብ ዝገበረኦ ዑደት፥ ካብቲ ዩኒቨርሲት ምስ ዝተውፃእፃኣ ደቂ ኣነስትዮ ተምሃሮ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት…

ጉጅለ ባህሊ ኢትዮጵያ ሙዚቃዊ ምድላዋቱ ኣብ ኣስመራ ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ባህሊን ቱሪዝምን ፌዴሪኢ ወይዘሮ ብዙነሽ መሰረት ዝምራሕ ጉጅለ ባህሊ ኢትዮጵያ ናይ መጠቓለሊ ሙዚቃዊ ምድላዋቱ ኣብ ኣስመራ ሲኒማ ሮማ ኣቕሪቡ። ኮሚሽን ባህሊን ስፖርትን ኤርትራ ኣምባሳደር ዘመዴ ተኽለ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር…

ዶ/ር ኢ/ር ስለሺ በቀለ ምስ ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ሱዳን ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ በቀለ ምስ ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ሱዳን ሌተናል ጄኔራል ኣብዱልፈታህ ኣልቡርሃን ተዛቲዮም። ርክብ ክልቲአን ሃገራት ሓበራዊ ተረባሕነት ብዘኽበረ መገዲ ብዝበለፀ ምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ…

ብእምነት ይኹን ብሄር ኣፈላላይ መሰረት ብምግባር ዝፍፀሙ መጥቃዕቲታት ተቐባልነት የብሎምን – ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ኣብ ልዕሊ ኣቢያተ እምነት ዝፍፀም ዝኾነ ይኹን መጥቃዕቲ ከምዝኹንና ገሊፀን። እተን ፕሬዚዳንት እዚ ዝበላ፥ ሃገር ለኸ መዓልቲ ኤች ኣይ ቪ/ ኤድስ ትማሊ ዕለት ኣብ ከተማ ሰመራ ኣብ ዝተኸበረሉ እዋን ኢዩ።…

ብዙሃነት ሃይማኖት ንጎንፅን ስግኣትን ዝዕድም ዘይኮነስ መሰረት ሰላምን ሓድነትን ኢዩ-ወ/ሮ ኬሪያ ኢብራሂም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ብዙሃነት ሃይማኖት ንጎንፅን ስግኣትን ዝዕድም ዘይኮነስ መሰረት ሰላም፣ ምክእኣልን ሓድነትን ኢዩ ክብላ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ወ/ሮ ኬሪያ ኢብራሂም ገሊፀን። እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ክሊ ፌዴራሊዝምን ህንፀት ሃገርን ዘድሃበ…